Merho Media
ሓቀኛ፣ እዋናውን መሃርን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ዘብጽሕ፡ ርትዓዊ፣ ሓቛፍን ኣሳታፍን ልሳን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝኾነ ሚድያ።
YouTube
YouTube
TikTok
TikTok
X
X
Instagram
Instagram
YouTube
YouTube
ሚድያ፡ ን ሓጋጊ፣ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ስዒቡ ራብዓይ ኣካል መንግስቲ ተባሂሉ ይግለጽ'ዩ። ኣብ ምህናጽ ጽቡቓት ክብርታትን ባህልን ከምኡ'ውን ኣብ ህንጸት ሃገር ዓብይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ሃገርና ግን ክንዲ ዝግባእ ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን። ብዋሕዲ ሚድያታትን ሓቀኛ ሓበሬታን እትሳቐ፡ ኣብ ዓፈና እትርከብ ሃገር'ያ ዘላትና። እምበኣርከስ መርሆ ሚድያ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ናይ ሚድያ ሃጓፍ ኣብ ምምላእን ሓበሬታን ፍልጠትን ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ዘትኮረ ትሕዝቶታትን ሓበሬታታትን ንምቕራብ ዝነቐለ ሚድያ እዩ። ዝተሓብኡ ሓቅታት ምቅላዕ፣ ዝተጠምዘዙ ትረኻታት ምቕናዕ፣ ድሑራት ኣረኣእያታት ብስነፍልጠታዊ ንቕሓት ምስዓር፣ ዲሞክራስያዊ ባህልን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ምትብባዕ ናይ መርሆ ሚድያ ኣውራ ዕዮታት ክኾኑ እዮም። ማዕረ ዕድልን ናይ ሓሳብ ልዕልናን፣ ውድድርን ድርድርን ዝመለለይኡ ነጻን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣርን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምርግጋጽን መርሆ ሚድያ ተጊሁ ክሰርሕ'ዩ። እዋናዊ ሓበሬታታት፣ ስነፍልጠታዊ ትሕዝቶታትን ትንታነታትን፣ ስነዳዊ ዕዮታትን ቃለ-መሕትታትን ካብ መርሆ ሚድያ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ክኾኑ እዮም። Like, Share, Subscribe ብምግባር ስድራ መርሆ ሚድያ ኩኑ/ና። ሃናጺ ርእይቶኹምን ነቐፌታኹምን ብኽብሪ ንቕበል። መርሆ ሚድያ @Merho-Media ንለውጢ ንተግህ!
TikTok
TikTok
Facebook
Facebook
X
X
Instagram
Instagram
Snapchat
Snapchat
Pinterest
Pinterest
Depop
Depop
View on mobile
✕